ናይ ጋዜጠኝነት ስራሕ ሀ ኢለ ዝጀመርኩሉ ኢትዮጵያ ቴሌቭዥን ከም ሰብ ብዙሕ ሞያውን ኢሉ እውን ኢትዮጵያ ንኽፈልጣን ምስ ብዙሕ ሰብ ክፋለጥን ዘኽኣለኒ ትካል ሚድያ እዩ። ብመደብ ሪፖርተርነት፣ ቀጥታዊ ፈነወታት ምምራሕ [live transmission] ፣ ናይ ቴሌቭዥንን ራድዮን ዜና ኣንባቢ [news anchoring] ዝሰርሓኹሉ ሃገራዊ ሚድያ ስለዝኾነን ይሕመቕ ይጸብቕ ነታ ዘለኹዋ ደረጃ ባይታ ስለዘንጸፈለይን ኩሉሻብ ካብ ምምስጋን ዓዲ ኣይወዓልኩን። ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ቴሌቭዥን ምቑጻረይ ግን መንግስታዊ ስራሕ ስኢነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ መገናኛ እንዳ ሲምንቶን ሓጺነ መጺንን መሸጢ ‘ሓዊ ዝለሓሰ ናይ ስምንቶ ነጋዳይ’ ምንባረይ እውን ከዘኻኽረኩም እደሊ።

ካብ ኩሉ እትገርመንን ክሳብ ሎሚ እንትዝክሮ ፍሽኽ እተብለንን ዝነበረት ወግዒ ግን ከካፍለኩም። ኣነ ክሳብ 300 ኩንታል ትኻዝን ኮንተይነር ምስ ጓል ኣኮይ [በዓልቲ ዋና] ኮይነ ስምንቶ ክሸይጥ ይውዕል። ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ግዜ ቁልዕነተይ እውን ናይ ገዛና መኻዚኖ እኽሊ እናሰራሕኹ ስለዝዓበኹ እቲ ስራሕ ኣይሓደሰንን እኳድኣስ ነፊዔ መዓልታዊ መኪና ክትራገፍን ዓማዊል ክጽዕኑን ይውዕሉ ነበሩ። ስራሕ ዝሕል ክብል እንከሎ ደድኳና ስሒብና ምስ ኣብታ ጎረቤተይ ናይ እንዳ ቆርቆሮ መሸጢ ዝነበረቶ ወዲ ኣዲስ ኣበባ ቀዘም ንብል።

ጎረቤተይ ወግዓም እዩ ሕልፍ እንትብል ድማ ‘ኣራዳ’ ዝበሃል ዓይነት ዕባይ መርካቶ ስለዝኾነ ኣብ ሕድሕድ ወግዕታቱ ፍሽኽታ ኣይሰኣንን ዝነበረ። ብመንጽር ፖለቲካ ተቓዋሚ ዝበሃል ስለዝኾነ ካብ ኣፉ “ኣንቺ ግልገል ወያኔ” እትብል ሓሳብ ኣይትጠፍእን ዝነበረት። ብፍላይ ንጉሆ ስራሕ ክፍት እንትነብል ነብሱ ይምሓሮ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር መለስ ዜናዊ ንድርኡ ኣብ ቴሌቭዥን ብዝተዛረበ ቁጽሪ ጎረቤተይ ገና ‘ሰላም መዓልቲ ኣውዕለና’ ኢልና ማይ እንተይረብረብና “ኣጎትሽ ትናንት ምን እንዳለ ሰምተሻላ…” እዩ ዝብለኒ። ስለዝደጋግሞ ድማ ኣነ እውን ቅጭ ኣነመጽአኒ ዋላ ለሚደዮ መለስ ኣኮይ ኮይኑ እዩ።

መንግስታዊ ስራሕ ስለዝሰኣንኩ ናይ ውልቀይ ስራሕ ክጅምር ከምዝተገደድኩ ዋላ’ኳ እንተነገርኩዎ ንሱ ግን ፈጺሙ ኣይኣምነን ዝነበረ። ምኽንያቱ ድማ ትግራዋይ ኮይኑ ብናቱ ኣገላልጻ “ ናይ ትግራዋይ መንግስቲ” ኢትዮጵያ ኣብዘመሓድረሉ ግዜ ትግራዋይ ስራሕ ክስእን ፈጺሙ ዘይሕለም እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ “ኣንቺ ሰላይዋ” ይብለኒ እሞ ኣነ ‘መዓዝ በቲ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ኣምሂሩ ዘውጸአኒ ሞያ ጋዜጠኝነት ኣትየ ይሰርሕ’ እምበር ቃላቱ ኣይዓጅበንን ዝነበረ። እኳድኣስ ዕዳጋ እንትሰኣን ጸዊዔ ”ሻሂ ዶ ንስተ” ዝብሎ ዝነበርኩ ኣነ እየ ነይረ…

ጎናጎኒ እታ ናይ ስሚንቶ ንግዲ ቀዳመ ሰናብቲ ናብ ኢቲቪ እናኸድኩ ብናጻ ክሰርሕን ክመሃርን ወሲነ ይሰርሕ ስለዝነበርኩ ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ናይ ስምንቶ ስራሕ እቲ ዘቕርበልና ዝነበረ ፋብሪካ ስምንቶ ሕጽረት ከሰል ስለዘጋጠሞ ደው ኢሉ ድሕሪ ቅሩብ ቀንፈዘው ኢቲቪ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ኣብዘውጽኦ ምልክታ ስራሕ ተወዳዲረ ሓሊፈ ካብ ንግዳዊ እቶት ናብ ናይ መንግስቲ ደሞዝ 1800 ብር ተሰጋጊረ።

ህይወት ካብ ናይ ስሚንቶ መሸጣ ናብ ናይ ሓበሬታ መሸጣ ተሰጋጊራ ትቕጽል እያ ዘላ። ኣብ ኢቲቪ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ጻኒሒተይ፡ ኢቲቪ ኣብ መቐለ ናይ ኣምሓርኛ ቋንቋ ሪፖርተር ኣወዳዲሩ ናብ ትግራይ ክልእኽ ከምዝደሊ ምልክታ ስራሕ ብዘውጽኦ መሰረት ተወዳዲረ ጉዕዞ ናብ መቐለ ኮይኑ።

ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኢቲቪ ንስራሕ ምችኡነት ተባሂሉ ካብ ዝነበሮ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ናብ ትግራይ ቴሌቭዥን ቀይርና ብዝተኻኣለ መጠን ካብቶም ዝተለመዱ መንግስቲ መንግስቲ ዝጨንዉ ትሕዝቶታት በቲ ኢቲቪ ይኽተሎ እየ ዝብሎ ናይ ልምዓታዊ ሚድያ ፍልስፍና መሰረት ጌርና ነቔፌታዊ ጸብጻባት ክነቃልሕ ተረዳዲእና ስራሕ ካብ ዝጅመር ኣዋርሕ ኣቑጺርና። ኣብዚ ቁጽሪ ሓደ ፈተና ዝነበረና ኣብ መወዳእታ ሓደ ዝተሰርሐ ጸብጻብ እቲ ሪፖርተር ብዛዕባ እቲ ዘቃልሖ ዘሎ ትሕዝቶ ብኣካል ተረኺቡ ከምዝጸብጸቦ ንምርግጋጽ ዘኽእል ብምስሉ ተሓጊዙ ኩስቶ እየ ካብዚ ቦታ ኢሉ ዝሰርሖ ‘ስታንድ ኣፕ’ ዝበሃል ሜላ ኣጸባጽባ እንትንጥቀም እዩ። ገለ ካብቶም ናይ ኣምሓርኛ ዴስክ ዝመርሑ ብናይ ተስፋኪሮስ ኣገላልጻ ‘ጠቅላይ ኣግላይ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ [ኢትዮጵያ ክብሉ ትንፋሶም ይወጽኡ ግን ድማ ኢትዮጵያ ናይ ኩላትና እኮ እያ በሉ ንዑ ክትብሎም እንከለኻ ድማ “የአማርኛ ዜና ትግሬ ሊያነበው አረ አይነፋም” ዝብሉ ሰባት እቲ ‘በሪሁ ሊላይ ነኝ ከመቐለ’ ዝብል ‘ስታንድ ኣፕ’ ዘይምድላይ እንተኣትያ ድማ ዜና ሰዓት ሓሊኻ ቆሪጽካ ምድርባይ ተጀሚራ።

ኣብ ትግራይ ኮይኑ ትልሂታውን ናይ መመረቕታ ዜናን ዝለመደ ነቐፌታዊ ትሕዝቶ ሒዝካ ክትመጽኦ ዘይደሊ ለማስ ኣብ ፕራዶ መኪና ተሳፊሩ መስትያት መኪንኡ ኣጸሊሙ ኣብ እንዳ መስተ “ፖውው ትግራይ ተወንጪፋ” እናበለ ዘምሲ [ነቲ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ኣውራ ጸገም ምኽንያት] ጋሕታን መሪሕነት ድማ በቲ ሓደ ገጽ መንቀርሳ ኮይኑ ምስራሕ ከሊኡና።

ሱቕ ኢልካ ጉዳይ ትምህርትኻ እንዶ ግበር

ቅድሚ 4 ዓመት ኣቢሉ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ኣባይ ወልዱ ኣብ ቤት ምኽሪ ትግራይ ቀሪቡ ጸብጻብ ኣፈጻጽማ ናይ ዝመርሖ መንግስቲ የቕርብ ነበረ። ጸብጻብ ኣፈጻጽማ ሕርሻ ወዲኡ ናብ ኢንዱስትሪ ምስ ሰገረ ንብዙሓት ዘደንጸወ ሪፖርት ድማ ኣቕረበ። “መንግስቲ ኣብ ኣፈጻጽማ መስርሕ ነጻ ቀረጽ ብዘርኣዮ ልሕሉሕ ቁጽጽር መንግስቲ ትግራይ ክረኽቦ ዝግባእ ዝነበረ ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ብር ስኢኑ” ዝብል ድማ ነበረ። ኣነ ከም ሓደ ጋዜጠኛ ካብቲ ኩሉ ፍርቂ መዓልቲ ዝወሰደ ጸብጻብ ኣቶ ኣባይ ወልዱ ብልዕቲ ዜና ክእልሽ ስለዝነበረኒ ነዛ ሓሳብ ኣባይ ወልዱ መዚዘ ዜና ሰሪሐ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይልእኽ።

ዜና ሰዓት ክልተ ኮይኑ ወያ ዜና ብኣምሓርኛ ትቃላሕ። ኣነ ዓዲ ሰላም እዩ ዘሎ ኢለ ምስ መሓዙተይ ማክያቶ ይሰቲ ኣለኹ። ቴሌፎነይ ብዘይተለመደ ብናይ ክልተ ሓለፍቲ [ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ሓላፊ ቦሮ ኮሚኒኬሽን ትግራይን ዋና ዳይሬክተር ትግራይ ቴሌቭዥን] ደወል ኣብ ተመሳሳሊ ካልኢትን ደቂቕን ትጨናነቕ እሞ እንታይ እዮም ኮይኖም ኢለ ሃሎ ይብል።

“ስማዕ እስከ በሪሁ እቲ ሓበሬታ ካበይ ኢኻ ኣምጺኢኻዮ? እቶም ደወልቲ ንባዕሎም ኣብቲ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ስለዝነበሩ ብዛዕባ ኣየናይ ዜና ይሓቱ ከምዘለዉ እናተገረምኩ ይሓቶም። “እቲ ሕዚ ኣብ ኣምሓርኛ ዜና ዝሓልፍ ዘሎ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ጸብጻብ” ይብሉኒ። ኣነ እውን “ኣብኡ ዶ ኣይነበርኩምን ባዕሉ ኣቶ ኣባይ ብትግርኛ ዝተዛረቦ እዩ ናብ ኣምሓርኛ ተተርጉሙ ሓሊፉ፣ ካበይ ከምጽኦ ድኣ? ይብሎም። በቲ ናትኩም ቲቪ እኮ ሓሊፉ እዩ ይብሎም። ኣደዋውልኦም ካብ ላዕሊ ዝኾነ ሓላፊ ከምዘሰንበዶም ካብ ድምጾም ይፍለጡ ነበሩ። ድሓረ ግን ቅሩብ ተረጋጊዖም “ኣንታ ወደይ ‘ኩስቶ’ [ኣሻዕትኡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር] እኮ እዩ ደዊሉ ኣደንጽዩና እምበር ኢልዎ እዩ” ይብሉኒ።

ቅሩብ ጽንሕ ኢሎም ሓለፍቲ ኢቲቪ ይድውሉለይ “እናደወሉ ኣጨናኒቖም ክቐትሉና ኢሎም እንታይ እዮም ኮይኖም” ይብሉኒ እሞ ‘ዘይተዛረቦ ኣየሐልፍናን ይብሎም። “ብዝኾነ እቲ ዜና ሰዓት ሰለስተን ኣርባዕተን ኣይድገምን ከይትሕልፍዎ ተባሂልና ኢና” ኢሎም የፍልጡኒ። ሕሉፍ ሓሊፉ ዜናታት ኢቲቪ ድሕሪ ናይ ዜና ክፍለ ግዜ ናብ ዩቱብ ስለዝጸዓን ዝነበረ ኣትዩ ነይሩ። ድሓረ ነቲ ናይ ዩቱብ ዲሊት ጌሮም እታ ዜና ንሳ ቆሪጾም ከምብሓድሽ ናብ ዩቱብ ኣእትዮምዎ።

ድሕሪ እዚ ‘እቲ ቆልዓ ተኸታተልዎ እንታዋይ ከ እዩ? ተባሂለ ሕድሕድ ዝሰርሐን ስራሕቲ ክቆጻጸሩ ጀሚሮም። ብሰባሰብ ኣቢሎም ድማ “እቲ ጋዜጠኛ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ትግራይ ከይረግጻ” ትበሃል ኣለኻ ኢሎም ኣፍሊጦሙኒ። እንታይ ገበን ድየ ገይረ እዚ ኹሉ ኢለ ንገዛእ ርእሰይ ሰምቢደ። ኣብ ቀጻሊ ኣኼባ ኣባላት ቤት ምኽሪ ትግራይ “ፊት ንፊት ይምጽኡ እሞ መሊአ ተስፋ ክቖርጽ ኢለ’ ናብቲ ኣኼባ ከይደ። ከይኣቱ ዝኸልከለኒ ሰብ ኣይነበረን ግን በቲ ዝነበረ ሓዞ ትሰዶ ‘ወከባ’ ኣሸቑሪሮሙኒ ኣለዉ።

ድሕሪ ቅሩብ ቅንያት ክልተ ሰለስተ ግዜ ዘይሰርሕ ትቦታት ዓዲጎም ሰንፈላል ዘእተውሉ ፕሮጀክት ዓሞቕቲ ጎዳጉዲ ጎልጎል ራያ ‘Investigate’ ክገብር ትልሚ ኣጽዲቐ ብኤዲተራት ዴስክ ዜና ኣምሓርኛ ተፈቒዱለይ ምስ ካሜራ ማን ናብ ራያ ዓዘቦ ተመላሊሰ እቲ ዘሎ ሓቂ [ሽዕኡ ኣማሓዳሪ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዝነበረ ወዲ] ‘ዋላ የባርሩኒ’ ኢሉ ‘ሪስክ’ ወሲዱ ነቲ ፕሮጀክት ተባሂሎም ካብ ህንዲ ዝተዓደጉ ነቶም ጎዳጉዲ ዘይኾኑ ትቦታት ዝተኸዘንሉ ዕጽው ኣዳራሽ ከፊቱ ክንቀርጽ ፈቒዱልና። ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ዝነበረ ቢሮ ሃፍቲ ማይ ትግራይ “እቲ ዜና ክሓልፍ እዩ ምላሽ ኣይሰመረልናን” ኢለ ከሕልፎ እየ ምስበልኩዎም ድሕሪ ክንደይ ለጠይጠይ እታ ናቶም ምላሽ ሂቦም።

ዜና ተሰሪሑ ኣዲስ ኣበባ በጺሑ ሎሚ ጽባሕ ክኸይድ እዩ እናተብሃለ መዓልታት ከይዶም። ኣነ እውን እግረይ ክሳብ ትቐጥን ራያ ዓዘቦ ተመላሊሰ ዝሰራሕኹዎ ዜና ብዘይምሕላፉ ሓሪቐ “ዘይሓልፈሉ ምኽንያት እንተዘይነጊርኩሙኒ ቀጻሊ ዜና ክሰርሕ ይጽገም ኣለኹ” ምስበልኩዎም፣ ድሓር ካብቶም ኤዲተራት “ቁርጡን ልንገርህ ዜናው ተወያይተን የሚጎድለው ነገር የለም ቢሆንም የክልሉ ኮሚኒኬሽን ቢሮ ሀላፊው ከበላይ አለቆቻችን ተነጋግሮ እንዳይተላለፍ ተነግሮናል” ይብለኒ።

ነገራት እናኸረሩ ኣነ እውን ህልኾም ከወድኦም ኢለ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ሽቓቕ ብግቡእ ስለዘይተሰርሐ ናብ ደገ ከም ውሕጅ እናኸደ ነቶም ነበርቲ እቲ ኸባቢ ኣደዳ ሕማም ገይርዎም ዜጋታት ፍታሕ ብምስኣኖም ምኽንያት ገዛውቶም ሸይጦም ምቕያር ዝጀመረሉ ኩነታት ነበርቲ፣ ምምሕዳር ቤት ህንጸት ሽረ እንዳስላሰ፣ ምምሕዳር ቤት ህንጸት ትግራይ መቐለን ኣዘራሪበ ዝሰራሕኹዎ ዜና “ከም ጡብ ኣዴኻ ቅበጻ ንኸይፍኖ ተወሲኑ’ዩ” ተባሂለ። ወሳኒ ኣካል እውን ካብ ኤዲቶርያል ፖለሲ ሚድያታት ወጻኢ ኢዱ እናሓምዞቐ ዘሸግር ዘሎ ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ትግራይ እዩ። ምስጨነቐኒ ንምታይ ኢኻ ፖሊሲ ሚድያ ብዝጻረር መገዲ ስራሕ ምስራሕ ትኸልአኒ ዘለኻ ይብሎ እሞ “ኣነ ተውሳኺተይ” ኢሉ ክሕድ የብል።

ብድሕሪ እዚ ከም ስጉምቲ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዋና ቤት ጽሕፈት ይእቶ ይብሉ። እንተኾነ ግን ትምህርቲ ማስተርስ ዲግሪ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ይመሃር ስለዝነበርኩ ብዙሕ ንጨቓጨቕ። ካብኡ ግን ካልእ ሰብ ትግራይ ርእይዋ ዘይፈልጥ ትግርኛ እውን ዘይሰምዕ[ ኣብ ስራሕ መደብ ሪፖርተርነት እቲ እትምደበሉ ከባቢ ቋንቋ፣ ባህልን ነበራዊ ኩነታት እትርዳእን Bilingual ክትከውን ይምረጽ] ዝብል መትከል ጋዜጠኝነት ጢሒሶም ወዲ ኣዲስ ኣበባ ኣምጺኦም ንዓይ ካብ ስራሕ ወጻእ ገይሮም ወርሓዊ መሃያይ ጥራይ ክወስድ ተገይሩ። [ብናይ ሻዕብያ ኣገላልጻ ምድስካል ዝብልዎ ምዃኑ እዩ]

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ እቲ ኣሉ ቀጣን ኣነ ኣይኮንኩን ዝበለኒ ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ትግራይ ኣብዝኾነ በዓል ንራኸብ እሞ ምስጠዓዓመ “በሪሁ ክትመሃር ኢልና እኮ ኢና ብኻልእ ኣይኮነን” ኢሉ እቲ ኹሉ ዝገበርዎ ዓፈና ብሓልዮት ከምዝገበርዎ ከርድኣኒ ፈቲኑ።

መጠቓለሊ፦ ቀንዲ መንቀልን ዕላማን እዚ ጽሑፍ እተን ሎሚ እንርእየን ዘለዋ ናይ ሚድያ ዓፈናታት [ብሕልፊ ኣብ ናይ መንግስቲ ፌደራል ተቐጺሮም ዝሰርሑ ተጋሩ] ብእቶም ‘ናይና’ እንብሎም መራሕቲ ዝተጀመረን ከም ህዝቢ ንመትከላውነት ሞያ ዝጣበቕ ትካላዊ ኣሰራርሓ ክንሃንጽ ብዘይምኽኣልናን ስለዝኾነ ሕዚ እውን ሚድያታት ናጻ ይኹና። እቶም ትማሊ ኣብ ማእኸላይ መንግስቲ ኮይኖም ሚድያታት [ሎሚ ተገልቢጠን ኣንጻር ረብሓታት ትግራይ ዝንቀሳቐሳ ዘለዋ ሚድያታት ዝመርሑ ዝነበሩን} ኣካል ዓፈና ናጽነት ሚድያ ዝነበሩን ሰብ ስልጣን ብሽም ሚድያ ኮሚቴ ኣብ ትግራይ ኣጀንዳታት ሚድያ ‘ሴት’ እናገበሩ ናይ ትግራይ ሚድያታት ናጽነት ክረጋገጽ ማለት ዘበት እዩ።

ውልቃዊ ትዕዝብትን ሪኢቶን እምበር ምስ ዝሰራሓሉ ትካል ዘራኽብ ነገር የብሉን!

ሰሰናዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published.